ፖለቲካዊ ውሳኔታት

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ብሰፍ ዘይብል ዋጋ መስዋዕቲ ደቁ ብ1991 ዝዓተሮ ናይ ሃገር ልኡላውነት፤ ብሰላምን ፡ ቅሳነትን ፡ ራህዋን ኣብ ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገር ክነብር ዓቢ ሃረርታን ተስፋን ጥራይ ዘይኮነ እምነት’ውን ነይሩዎ። ልቢ ኣእብዩ’ውን ንገለ-ገለ ናይ ፈለማ ጌጋታት ክዕረም’ዩ ክብል ብትዕግስቲ ዘይተጸበየ ኣይኮነን። ኰይኑ ግን እቲ ብዙሕ ከይከደ ምልካውነቱ ዘግሃደ ናይ ውልቀ-መላኺ ስርዓት፡ ነቲ ዝነበረ ባህግን ተስፋን ኣብኒንዎ። ብሰንኪ’ዚ ሕጊ-ኣልቦ ስርዓት ከኣ ህዝብና ኣደዳ ፓለቲካዊ ጭቆና፡ ማሕበራዊ ብልሽውና፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ድንቍርና፡ ምብትታን፡ ምምቕቓል ከምኡ’ውን ኣደዳ እቲ ዝኸፍኤ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለም ኰይኑ’ሎ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ንምልጋስ ብዙሕ ቃልስታት ክካየድ ጸኒሑ። እንተኾነ፡

ብኣተሓሳስባ ኮነ ብመልክዕ ውደባ ማዕረ ድልየት ህዝብናን ማዕረ እቲ ዝብድሃና ዘሎ ጸገምን

ኰይኑ ኣይተረኽበን።

ካብዚ ብምንቃል፡ ብምትሕንፋጽ ዝመሳሰል ራኢን መደብ ዕዮን ዘሎዎ ሰልፍታትና ኣቢልና፡ ሓዲሽ ባይታ ቃልሲ ዝምድምድ ኣሳታፊ ሰልፊ ንሃንጽ ኣሎና። እዚ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰረት ዘሎዎ ተበግሶ’ዚ፡ ነቲ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ፍልልያትን ውርሻታትን ኣብ ክቡር ናይ ታሪኽ ቦታ ኣቐሚጡ፡ ሓዲሽ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ህዝብናን ቃልስታቱን ከዕውት ክቃለስ ኢዩ። ባህግና: እነቑሞ ፓለቲካዊ ውድብ ንኹሉ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ዘሳትፍ ናይ ሓዲሽ

ወለዶ ሰልፊ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ክዓስሎ ከኣ ጻውኢትና ነቕርብ። ዕላምኦን ራኢኦን ከምዚ እተጠቕሰ ስለዝኾነ ከኣ፡ ምጽንባራዊ ዋዕላ ካብ ዘመሓላለፎም ቀንዲ ውሳኔታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡-

1.  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡-

ምጽንባራዊ ዋዕላ መሪሕነታት ህዝባዊ ምንቅስቓስን፡ ሰልፊ ህዝብን፡ ሰልፊ ዲሞክራስን ኤርትራ፡ ስም ሓዲሽ ፓለቲካዊ ውድብና፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ/EPDP/ሕዝበ-ኣሻዓብ ኣዲሞቕራጢ) ክብሃል ወሲኑ። ሰልፍና፡ ሓድነት ህዝባን መሬታን ዝዓቀበት፡ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብደሞክራሲያዊ ቅዋም እትመሓደርን ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውኡላትን እተኽብርን ብልጽግቲ ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ። ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝጋባእ ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ክግበር ኢዩ።

  1. ኣገባብ ቃልሲ

ምጽንባራዊ ዋዕላ፡ ዕላማታት ሰልፊ ንምትግባር ዝጥቀመሉ ኣገባብ ቃልሲ ብእምቆት ድሕሪ ምምይያጥ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ዝጠቓለል ውሳኔ ኣሕሊፉ፤ ብመሰረቱ ኣገባብ ቃልስና ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኢዩ። ኣብ ትሕት’ቲ ሕገ-ኣልቦን ዓማጽን ስርዓት ንዘሎ ህልዊ ኲነታት ሃገርና ብምስትብሃል ከኣ፡ ፓለቲካውን ውደባውን ዕዮ ንምክያድን መላዕ ህዝቢ ኣለዓኢልካ ንእስትራተዲ ሰልፊ ንምዕዋትን፡ ርዕሰ-ምክልኻል ዝሰረቱ ንጥፈታት ምክያድን፡ ከከም ኲነታቱ ዝኸይድ ኣድላዪ ስልታዊ ምትእጽጻፍ ምግባርን መሰል ሰልፍና ምዃኑ ምጽንባራዊ ኮንፈረንስ ኣስሚርሉ።

3.  ናይ ህግደፍ መደባት ሰፈራ ህዝብን ጒዳይ መሬትን፡-

ምጽንባራዊ ዋዕላ፡ ነቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ፡ እሞ ኸኣ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ህዝብና ክዘርግ፡ መሬት ካብ ዋናታቱ መንዚኡ ንካልኦት ደቂ ሃገር ካብ መበቆላዊ ቦትኦም ዝፈናቕል ናይ ሰፈራ መደባት ስርዓት ህግደፍ ብትሪ ይዂንኖ። መሬት ናይ ህዝቢ ዋንነት ምዃኑ ብምእማን ከኣ፡ ብሓይሊ ዝተመንዝኣ መሬት፡ ስርዓት ህግደፍ ምስ ተማሕወ፡ ብሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ ናብ ዋናታቱ ክምለስ ከም ዝግባእ ዋዕላ ኣስሚርሉ።

4.  ብዛእባ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡-

ምጽንባራዊ ዋዕላ፡ እቲ ገደብ ዘይብሉ ብህግደፍ ዝውሰድ ዘሎ ግዴታዊ ኣገልግሎት ከምባሮት/ሃላኺ ንብረት ተቖጺሩ፣ ናይ መላዕ መንዕሰያት ኤርትራ ትምህርታውን ኣፍራዪንዓቕሚ ዘባኸነ፡ ናይ ህዝብና ሰብኣዊ ክብረት ዝደፈረ፡ ቀንዲ  ምኽንያት ናይ ስደትን ምዝንባልን ዝኾነ ኣስካሕካሒ ተረኽቦ ምዃኑ መዚኑ። በዚ መሰረት ነቲ ንሃገራዊ ሰራዊት ናብ እሱር ዝቐየረ ስርዓት፡ ኣብ ርዕሲ ምኹናን፡ ሰራዊትን ህዝብን ንክብሮምን ንመሰላቶምን ጠጠው ብምባል ተሪር ተቓውሞኦም ከርእዩ ጸዊኡ። ከምኡ’ውን፡ ምጽንባራዊ ዋዕላ፡

  • • እታ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ እትህነጽ ኤርትራ፡ እቶም ብዘይ ገደብ ኣገልግሎት ዘወፈዩ መንዕሰያት በብደረጅኡ መሕወዪ ክግበረሎምን፡ ፍሉይ ትምህርታዊ መደባት ክስርዓሎምን ከም ዝግባእ ይኣምን።
  • • ዓቕሚ ሃገር ብዘፍቀዶ መጠን ፡ ንዂሎም’ቶም ናይ ጥሮታ መሰል እተነፍጎም ደቂ ሃገር፡ ብመሰረት ደቂቕ መጽናዕቲ መሰሎም ዝሕለወሉ ኣገባብ ክህሉ ሰልፍና ክቃለስ ኢዩ።
  • • ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመሰረት ብህዝቢ ዝጸድቕ ሃገራዊ ቅዋም ጥራይ ክኸውን ከም ዝግባእ ናይ ምጽንባራዊ ዋዕላ እምነት ኢዩ።
  1. ብዛዕባ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ሓባራዊ ዋዕላ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓይልታት ምክልኻል ብዝምልከት፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣእኑድ ጭቆኑ ንምድልዳል ዝተጠቕመሉ ቀንዲ ክፋል ናይ ህዝብና ክነሱ፡ ካብቶም ብዝለዓለ ደረጃ ዝምዝመዙ ዘለዉ ኣካላት ህዝብና ምዃኑ ኣመዝጊቡ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሰንኪቲ ጻሕታሪ ውግዕ ዝኾነ ፖሊሲታት ህግደፍ ኣብ ዘይኣድላዪ ኩናት እናከተተ ክቡር ህይወት ኣሽሓት ኣባላቱ ዝኸፈለ ኣብርዕሲ ምዃኑ፡ ናብ ኣገልጋሊ ሰብ መዚ ህግደፍ ተቐይሩ ዝርከብ ዘሎ ኣካል ህዝብና ምዃኑ፡ ንልዕሊ 18 ዓመታት መዝነትን ደሞዝን ምምሕያሽ ከይረኣዬ ኣብ ድኽነት ተሸኺሉ ዘሎ ምዃኑ ብምጽብጻብ ሓባራዊ ዋዕላ ኣብ ጎድኒ ዝተጨቆነ ህዝቡ ኮይኑ ነዚ ስርዓት እዚ ክምክትን ኣብ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጽመድን ጻውኢቱ ኣቕሪቡ።

6.  ጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡-

ምጽንባራዊ ዋዕላ፡ ብዛዕባ ኵነታት ናይ’ቶም ብሰሪ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ዝርከቡን ንስደት ገጾም ዝጐዓዙን ኤርትራውያን፤ ከምኡ ኸኣ ብዛዕባቶም ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ጀሚሮም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ደቂ ሃገር ኣልኢሉ ብደቂቕ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ወሲዱ፡-

  • • ምጽንባራዊ ዋዕላ፡ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምኡ ከኣ ፈቐዶኡ ኣብቲ ዞና ኣብ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዝማስኑ ኤርትራውያን፡ ሰልፍና ምስ ዝምልከቶም ኣህጕራውያንን ኤርትራውያንን ትካላት ብምትሕብባር ንኵነታት ኣተሓሕዛኦም ንምምሕያሽ ኵሉ ዝከኣል ጻዕርታት ከካይድ ኢዩ።
  • • ኣብዚ ህሞት’ዚ፡ ስደት ዝያዳ ነቲ መንዕሰይ ወለዶ ኤርትራ ሃስዩዎ ይርከብ። ሕብረተሰብ ዓለም ነዞም ናይ ንእስነት ጊዜኦም፡ መጀመርያ ኣብ ድፋዓት ህግደፍ ድሒሮም ከኣ ኣብ መደበራት ስደተኛታትን ከተማታት ወጻኢ ሃገራት ብኸንቱ

ዘሕልፉ ዘሎዉ መንዕሰይ ኣካደሚካዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ዝህብ ትካላት ክኸፍተሎም ሰልፍና ጻዕሪ ክገብር ኢዩ። ነቶም ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሱዳን ንመዋዕል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጌና ናይ መንነትን ናይ መነባብሮን ጸገማቶም ዘይተፈትሓሎም ኤርትራውያን ብኣህጉራዊ ትካላት ቈላሕታ ክግበረሎም ሰልፍና ጻዕሪ ከካይድ ኢዩ። ከምኡ’ውን ነቶም ብሰንኪ ፓለቲካዊ ዘይምቅዳው ኤርትራን ኢትዮጵያን __________ግዳይ ኰይኖም ንብረቶም እተወርሶም ኤርትራውያን፡ ንብረቶም ብምልኡ ክምለሰሎም ብደረጃ ሰልፍን ሃገራዊ ጽላልን ዕቱብ ርክባት ምክያድ ህጹጽ ኣድላይነት ከም ዘሎዎ ዋዕላ ተላብዩ።

7.  ጉዳይ ፖለቲካውያንን ሕልናዊ እሱራት፡-

ጨካን ስርዓት ህግደፍ ብእተኸተሎ ምልካውን ሕጊ-ኣልቦን ፖሊሲታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርትን መቕተልትን ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን፡፡ ጒዳይ ማእሰርትን ስቓይን ዝህብና ኣዝዩ ዘተሓሳሰብን ዘሻቕልን ስለዝኾነ፡ ምጽንባራዊ ዋዕላ ተሪር ኲነኔኡን ተቓውሞኡን ይገልጽ፡፡

ናይቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ኤርትራውያን ጒዳይ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ንኽቃላዕን ናይ ዓለም ቆላሕታ ከም ዝርከብን ንምግባርን መሪሕነት ሰልፊ ክነጥፈሉ ዋዕላ ጸዊኡ።

8.  ጉዳይ ቅዋም፡-

ብስርዓት ህግደፍ ዘይተተግበረ ናይ 1997 ቅዋም ኤርትራ፡ ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ጥራሕ ኢዩ ባይታ ረኺቡ ከካትዕ ዝኽእል፡፡ ብምልኡ ናይ ምቕያሩ ይኹን ወይ ናይ ምምሕያሹ ጒዳይ ከኣ ብህዝበ-ውሳኔ ወይ ድማ ህዝቢ ብዝመረጾ ባይቶ/ፓርላማ ዝውሰን ምዃኑ ምጽንባራዊ ዋዕላ ኣሚኑ።

9.  ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)፡-

ምጽንባራዊ ዋዕላ ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ከም ናይ ተቓውሞ ደንበ ጠርናፊ ጽላል ውድብ ይፈልጦ። ብምጽንባር ዝመሳሰል መደብ ዕዮ ዘለወን ውድባት ዝህነጽ ሰልፍታት ይኹን ግንባራት ከኣ ንኪዳን ኣድማዕነት ክህቦ ከም ዝኽዕል መዚኑ። ከምኡ’ውን ምጽንባርዊ ዋዕላ፡ ኣብ ቻርተርን መደብ ዕዮን ቅዋምን ኤዲኪ ምእዙዝነቱ የረጋግጽ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ ዝስዕብ መትከላት ጽኑዕ እምነት ከም ዘሎዎ የረጋግጽ፡-

  • • ኲለን ኣባላት ኤዲኪ፡ ንመሰረታዊ ሰነዳት ኪዳን፡ ማለት ነቲ ዝፈረማሉ ቻርተርን፡ ቅዋምን ፓለቲካዊ ውሳኔታትን ፍሉይ ስምምዓትን ክግህሳ ኣይግባዕን፡፡ ኣብ ዝግህሳሉ ህሞት ከኣ ብመሪሕነት ኪዳን ስጒምቲ ክውሰደለን እዙዝ ኣድላይነት ኣሎዎ።
  • • ኤዲኪ ናይ ነብሰን ዝኸኣላ ነጻ ውድባት ጽላል ኢዩ። ነናተን ፖለቲካዊ ራዕን መደብ ዕዮን ሰለዘለወን ከኣ፡ ንዕUኡ ከዖውታ ነጻ ዜናውን፡ ቊጠባውን፡ ህዝባውን፡ ዲፕሎማስያውን ጸጥታውን… ወዘተ ስርሓት ከካይዳ መሰለን ሕሉው ኢዩ። መሪሕነት ኪዳን፡ ነዚ መሰላት’ዚ ክሕሉ ብቻርተርን ቅዋምን ኪዳን እተዋህቦ ሓላፍነት ኣሎዎ።
  • • ኤዲኪ መቐጸልታ ሃገራዊ ምሕዝነት’ዩ ካብ ዝቐውም ድማ ኣስታት 11 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ፡ ንህግደፍ ስክፍታ ከሕድረሉ ዝኽዕል ስራሕ ኣይገበረን። ቀንዲ ሽግሩ ኤዲኪ ኣብ ሕድሕድ ኣባላቱ ምትእምማን ስለ ዘየለ’ዩ። ስለዚ ዘድምዕ ጽላል ውድብ ንኽኸውን ብመጀመርያ ሽግራቱ ኮፍ ኢሉ ክፈትሕ ከምዘለዎ ዋዕላ ተገንዚቡ።
  1. 10. ጕዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡-

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ናይ መወዳእታን ቀያድን ኢዩ። ብመሰረቱ ናይ ዶብ ጐንጺ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክፍታሕ ኣሎዎ። ይኹንበር፡ ምርጫ ናይ ክልቲኡ ወገናት ምስዝኸውን ኣብ መስርሕ ትግባረ ክህሉ ዝኽእል ናይ ክልቲኡ ወገን ሓሳባት ብመንገዲ ሳልሳይ ኣካል ዝተሳተፎ

(ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ኣካላት) ኣብ ሕድሕዶም ብምልዉዋጥ ዝሰማምዕሉ ናይ ዶብ ሕንጻጽ ምምሕያሽ ወይ ለውጢ ክግበር ቅቡል ኢዩ።

  1. 11. ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣህዛብን፡-

ምጽንባራዊ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ከካይዶ ዝጸንሐ ምትዅታዃትን ጐንጽታትን እናዀነነ፡ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ኣህዛብን መንግስታትን ኣብ ምክብባር፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ምርግጋጽ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝተመርኰሰ ክኸውን ይኣምን።

ምስ ሓው ዝኾነ ኣህዛብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጅቡትን የመንን ናይ ህዝቢ-ንህዝቢ ጥቡቕ ዝምድናን ሕውነትን ክህሉ ዝቐውም ሰልፊ ክጽዕተሉ ከም ዝግባዕ ዋዕላ እምነቱ ገሊጹ። ነቲ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጅቡትን ተፈጢሩ ዘሎ ቍስልን ጽልእን ንምሕዋይ እውን ዓቢ ትዅረት ክወሃቦ ከም ዘሎዎ ኣስሚርሉ።__

VN:F [1.6.4_902]
Rating: 0.0/10 (0 votes cast)
VN:F [1.6.4_902]
Rating: 0 (from 2 votes)

January 7, 2010   Posted in: Latest News ሓዲሽ ዜና, Public Announcement ምልክታ, ትግርኛ

Leave a Reply