ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ከተማ መልበርን ዝነብሩ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ ጽንብል ሓድነት ሰለስተ ውድባት ዝጸውዕዎ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብ3 ጥሪ 2010ተኻይዱ። ዕላማ ናይ’ዚ ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ምውላድ ናይ’ዚ ሓድሽ ሰልፊ ዝተጸውኣ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ውጽኢት ምጽንባራዊ ዋዕላ ንምሕባርን ካብ ህዝቢ ንዝቐርቡ ሕቶታት መልስን መብርህን ምሃብ’ኣ ነይሩ። ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ፡ ኣቶ ዓብደቓድር ህብትየስን ኣቶ ሃይለሱስ ገብራይን ኣባላት መሰጋገሪ ማዕከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትርን፣ ኣቶ ገብረመድህን ጸጋይ፡ ኣባል ስልፍን ኢዮም።

እዚ ንሰለስተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ’ዚ፡ ደምዳሚ መግለጽን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምግላጽ’ዩ ተጀሚሩ። ብድሕር’ዚ፡ ካብ ህዝቢ ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታትን መብርሂታትን ተዋሂብዎ። ኣኼበኛታት፡ በቲ ኣብ መንጎ ሰለስተ ውድባት ዝተረጋገጸ ሓድነት ሕጉሳትን ትስፍዉዋትን ምዃኖም ገሊጾም። ገለ ካብኣቶም፡ እዚ ሓድነት’ዚ፡ ንትጽቢት ናይ ህዝብና ዝምልስ ፍረ ጻዕሪ ኣባላት ሰለስቲኣ ውድባት’ዩ ኣሎም

ክገልጹን፣ ከም ሕሉፍ ተመኵሮታት ሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ንድሕሪት ከይምለስ ኣባላት ሓድሽ ሰልፊ ብዙሕ ጥንቃቐ ክገብሩ ከዘኻኽሩን ተሰሚኦም።

ኣብ ርዕስ’ዚ ኣብ ፐርስን ብሪስበይንን ዝርከቡ ኣባላት ብ2 ጥሪ 2010 ናይ ተለፎን ዋዕላ (ተለኮንፈረንስ) ብምክያድ ንውጽኢት ምጽንባራዊ ዋዕላ ሰለስቲኡ ሰልፍታት ተመያይጦምሉ። ኣኼበኛታት፡ መሪሕነት ሰለስቲኣ ውድባት፡ ንዝነበረ ፍልልያ ሰጊሮም ኣብ ሓባራዊ ዕላማታት ክሰማማዓኡን ሓደ ሰልፊ ክምስርቱን ምብቃኦም ዝነኣድ መሪሕነታዊ ግደኦም ከምዝተጻወቱ ገምጊሞም። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ውን፡ ናይ ዮሃና መልዕኽቶም ናብ መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፎም።

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

5 ጥሪ 2010

VN:F [1.6.4_902]
Rating: 0.0/10 (0 votes cast)
VN:F [1.6.4_902]
Rating: 0 (from 0 votes)

January 7, 2010   Posted in: Latest News ሓዲሽ ዜና, News, ትግርኛ

Leave a Reply