መርሓባ፡ ንምምስራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ምጽንባራዊ ጕባኤ ናይ ዲሞክራስያውያን ውድባት ብዓወት ተዛዚሙ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ሓድሽ ዓመት ምስ ሰማዕኩ፡ ሓጐስ ተሰሚኡኒን ናይ ተስፋን ብሩህ መጻን ስምኢታት ውን ኣሕዲሩለይ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ሓጐሰይን ብሩህ ናይ መጻኢ ትጽቢታተይን ግን፡ እቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ዝተመስረተ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውላድ ናይ’ተን ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝነውሐ ፖለቲካዊ ተመኵሮታትን ኣገዳስነትን ዝነበረን ክልተ ውድባት፣ ማለት ተመኵሮ ተጋድሎ ሓርነት

ኤርትራን ተመኵሮ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ምዃኑ ኢዩ።

ልክዕ ከም’ቲ ንሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛዕቲ ሓራ ንምውጻዕ ቅድሚ 50 ኣቢሉ ብጅግና ስውዕ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ዝጀመረ ብረታዊ ተጋድሎናን፡ ኣብ’ቲ ብ1971 ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጕባኤ ዝሰፈረ ናጻን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ምህናጽ ዝብል ዕላማታትን ቀዳማይ መድረኽ ሓርነታዊ ተጋድሎና፣ እዚ ዕለት’ዚኣ ድማ፡ ኣብ’ዚ ንሃገርና ካብ ጭቆና ዲክታቶርያዊ ስርዓት

ንምንጋፍን፡ ዲሞክራስያዊትን ብልጽግትን ዘመናዊት ሃገር ንምህናጽን ብህዝብና ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ካልኣይ ሓርነታዊ መድረኽ ናይ መጀመርያ ስጕምቲ’ያ ትቝጸር።

በዚ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንጅግና ህዝቢ ኤርትራ ብምውላድ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ኣመጐሰካ ዝብል ናይ ዮሃና መልዕኽተይ እናመሓላለፍኩ፣ እቲ ምእንቲ ዲሞክራስን ሰብኣዊ ክብርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክሳብ ዝዕወት፡ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ህዝቢ ከይፍለዮ እምነ።

ቀጺለ፡ ምጽንባራዊ ዋዕላ ብዓወት ክዛዘም ዝገበሩ ኵሎም ተሳተፍቲ ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ሞጐሰይን

ምስጋናይን ከቕርበሎም እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ንኣባላት መሰጋገሪ ማዕከላይ ባይቶ ብሓበራ፡ ንዓርከይን ፈታውየይን ኣቦ መንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ነበር፡ ወልደሱስ ዓማር፣ ሓምድ ድራር፡ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ናይ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ድማ ብፍላይ ዮሃና እብል። ከም’ቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛዕቲ ተቓሊስና እተዓወትና፣ ኣብ’ቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ውን ኣብ ቅድመ-ግንባር ኰንኩም መሪሕኩም ኣኣዉቱና።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና

ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

VN:F [1.6.4_902]
Rating: 5.3/10 (3 votes cast)
VN:F [1.6.4_902]
Rating: -2 (from 6 votes)

January 9, 2010   Posted in: Latest News ሓዲሽ ዜና, News, ትግርኛ

Leave a Reply