ኣገናዕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ኣፈታትሓ ፍልልያት ዓቢ ዝላ ንቕድሚት!
ኣገናዕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ኣፈታትሓ ፍልልያት ዓቢ ዝላ ንቕድሚት!
ብማዕከናት ዜና ዓዋተን ኣዝማሪኖን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ነቲ ዝነበረ ናይ ፍልልይ ኣብ
መንጎ ፈጻሚት ኣካል ኣብ ኢትዮጵያ ምዕታውን ዘይምዕታውን ዝብል ድሕሪ ምዝታይ ኣብ
መጨረሻ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ምስ ፈጻሚት ኣካል ፍልልይ ስለዘርኣየ ካብ ስልጣኑ
ክወርድ ብዘቕረብሉ ሓሳባት ነቲ ውድብ ኣዎንታዊ እዩ ብምባል ክልቲኡ ወገናት
ብምስምማዕ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ገዲም ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ካብ
ስልጣኑ ከምዝወረደን ኣብ ክንድኡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሓንስ ከምዝተመርጸን ማዕከን ዜና
ኣዝማሪኖ ሓቢራ፡፡
See link here: http://delina.org/en/news/122-mesfin-hagos-steps-down-as-chair-of-edp
ኣገናዕ መስፍን ሓጎስ! ኣገናዕ ሰልፊ ዲሞክራሲ! ኣብነታዊ ኣተኣላልያ ቓልሲ እዩ ይብል
ብወገነይ።
እንቓዕ ሓጎሰኩም። “This is what I call win win game!” ተስፋ ዕገብር ካልኦት
ውድባት መሪሕነት ኣብ ምቕያርን ፍልልያት ኣብ ምጽባብን ተመሳሳሊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ
ክጥቐማ።
መሓሪ ሃብተ
For any comments or Questions please email to mehari.habte@yahoo.com
April 11, 2009
Posted in: Latest News ሓዲሽ ዜና, News, ትግርኛ


Leave a Reply