Welcome to Maihabar.org The Home of The Eritrean People's Movement

VN:F [1.6.4_902]please wait…Rating: 1.0/10 (2 votes cast)VN:F [1.6.4_902]Rating: +1 (from 3 votes)

Editorial

VN:F [1.6.4_902]
Rating: 1.0/10 (2 votes cast)
VN:F [1.6.4_902]
Rating: +1 (from 3 votes)

26 Responses

  1. abraha tewolde.m - May 18, 2009

    ይከኣሎ ኣይወለደን፡ዋርሳይ ኣይወረሰን፡

    ህዝቢ ኤርትራ እንተስ ረድዩ እንተስ ተገዲዱ ንዓመታት ብጉልባብ ንስለ ነ ጻነትን ሓርነትን ከም እተቓለሰ ዝሓለፎ መጻብቦ ታሪኹ ዝምስክሮ ሓቂ እ ዩ::ምስዚ ናይ ሎሚ ዝሓልፎ ዘሎ መጻብቦ ውርደት ኣዛሚድካ ክግለጽ እን ተተፈቲኑ ግን ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ ሓሳረ-መከራ መስዋእትነት እምበር ክ ምዚ ናይ ሎሚ ዝኣምሰለ ኣልሚሙ ዝባኑ ዝቐልዔ ድርዒ ባርነት ክሳዱ ረ ጊጹ ዘዕፍሮ ዘሎ ክተወዳድሮ ከቶ ዘይከኣል እዩ::ሽዑ ብዝኾነ ይኹን መንገ ዲ ሓደሓደ ፍታሓት የጋጥም ኔሩ፡ሎሚ ግን ፍጹም ኩርምይ ኢልካ ተሕል ፈሉ ቦታ ዘይብሉ፡ሃገር ገዲፍካ ምኳድ ጥራሕ ኮይኑ።ነዚ ሕማቕ ግብርታት ክጥጥዕ ዝሕግዙ ከኣ እቶም ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝተወልዱምበር ካብ ወጻ ኢ መጺኡ ግዝኣቱ ክገብር ዝፍተነ ባዕዳዊ ጸላኢ የሎን።
    ህዝባዊ ሰራዊት ቅድም ብሓየት ይጽዋዕ ኔሩ።ንባጽዕ ከም ብሌን ዓ ይኑ ዝሕሉ ዝነበረ ዕስለ ዝኾነ ዓሰከር ጸላኢ ስዒሩ ወደቡ ምስተቕጻጽረ፡ ወዲ ትኹል ኢሉ ደ ሪፉሉ።ካብ ሽዑ ንደሓር ይከኣሎ ከም ናይ መቐባጠሪ መጸውዒ ኮይና ኣብ ኩሉ ደመቐት።ብሃገራዊ ኣጎልግሎት ተሰሊፉ ኣብ ኩናት 1998-2000 ዝተ ሳተፈ ከኣ ዋርሳይ ዝብል ሽም ተጠሚቑ፡ከም ፍሉይን ብርቕን ዝኾነ መጸ ውዒ ተወሲዱ፡እቲ ዋርሳይ ኢዩ…ክበሃል ጀመረ።ገዛእቲ ደርቢ ንሓደ ሰብ ብምቅብጣር እንተሒዝካዮ ፍሉይ ኣድማዕነት ከምዘምጽእ ስለዝፈልጡ፡ ንውሽጣዊ ጸግም ኣለልዩ ከይግልበጦም መታለሊ ዝጥቀምሉ ስልቲምበር ኩ ሎም ሰራዊት ኤርትራ ሓደ ዓይነት ቅዲ ኩናት ዝጥቀሙ፡ሕቡር ሓሞትን ኣመጻጽኣ ዘለዎም ኢዮም።ኣበሮም፡ጸላኢ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ጥራሕ ስለዝ ኾነ፡ኣብ ውሽጦም ዘሎ ጸላኢ ኣየለለዩን፡ነዚ ሓቂ እዚ ብዙሕ ስለዘየቃልበሉ፡ ክቕበልዎ ኸኣ ዛጊት ፍቓደኛታት ስለዘይኮኑ ሃገር ኣብ ኢድ ነውራማት ወዲቓ፡ህዝቢ ኤርትራ ድርብ ጸገም ኣብ ምቅላስ ይርከብ።
    ምዕስካር ከምቲ ኣብቲ ፈለማ ዝመሰለና ኣንጻር ናይ ደገ ተጻባኢ ም ኽልኻል ጥራሕ ኣይኮነን።ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተረጋገጸ፡እቶም ናይ ህዝቢ ጭፍለቓን ሞትን ድኽነትን ቀንዲ ተሓባበርቲ፡ንኽብርን መሰልን ናይ ኅብረተ ሰቦም ዝከላኸሉን ሰራዊት ኢዮም።ስለዚ ሕመቕ ሰራዊት ሃገር ትረማመስ፡ ህዝቢ ንስደትን ንጸገምን ይቃላዕ፡መንፈዓት ሰራዊት ሃገር ትረብሕ፡ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ከቢሩ ይነብር።ነዚ ዝተጠቕሰ ህያው ዝገብሮ ዓይነት ሰራዊትምበር ብዝሒ ወይ ወተሃደራዊ ክእለት ስለዘይኮነ፡ሰራዊት ኤርትራ እንታይ ዓይነት ሰራዊት ምኳኑ ምምርማሩ ምፍላጡ የድሊ።
    ተጋዳላይ በረኻ ወጺኡ ምእንቲ ነጻነት ከርተት ክብል፡ንህዝቡ ራህዋ፡ ሰ ላምን ቅሳነት ዝመልኦ ሕይወት ከጎናጽፍምበር፡ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ዓስ ኪሩ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ-ርእሱ ሕብረተሰብ ግፍዕታት ምፍጻም ኣይኮነን።ናይ ትማሊ ይከኣሎ፡ኣይከኣልን ዝተባህለ ጉዳይ ነጻነት ኣኺኢሉዎ፡ነቲ ናይ እዋን ሕቶ መሊሹ፡ክብጻሕ ዝግበኦ ይፍለጣ ኣይፍለጣ ተስታህሪራ ዝመጻቶ ሕብ ራዊት ጨርቂ ኣንበልቢሉዋ።ናይ ሎሚ ዋርሳይ ከኣ፡ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን፡ ሃገርካ ተወሪራ ተባሂሉ ዓጢቑ፡ንናይ ደገ ጸላኢ ተኸላኺሉ ከብቅዕ፡ነቲ ብ ውሽጢ ውሽጢ ህዝብን ባህልን ሃገር ክበታትን ዝጽዕር ሕቡእ ጸላኢ ገና ኣይፈለጦን፡ስለሓቀኛ መሰልን ነጻነትን ቅንጣብ ስለዘይወረሰ ኣይፈለጦን። ክልቲኦም፡ድሌትን ዊንታን ሕብረተስብ ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ንምንጋፍ ምስራሕ፡ሃገር ካብ ጸላኢ ምክልኻል ደኣምበር ንፍሉያት ሰባትን ጥርኑፋት ሰባት ዘለውዎ ማሕበር ንምክልኻል ኣይኮነን።
    ይከኣሎ ናይቲ ቀዳማይ ብድሌቱ ምእንቲ ነጻነት ዝዓጠቐ በረካ ዝወጸ ምሁርን ተመሃራይን ዝሓዘ፡ብሳይንሳዊ ሓቂ ተመሪሑ፡ብናህሪ ንነጻነት ሃገር ኢሉ በረኻ ዝወጸ ኣካል ተረፍ ኢዩ።ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ክልቲኡ ውድባት ምሁር ይኹን ፈላጥ ዘይደልዩ፡ግዙኣት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ስለ ዝነበሩ፡መንካዕ፡የሚን፡ወገናውያን፡ፋሉል እናበሉ ብምቕንጻልን፡ብሕቡእ ኣብዘ ድልን ዘየድልን ውግእ ጠቢሶም እቲ ምዕቡል ሓይሊ፡ብትምህርትን ፖለቲ ካዊ ስነፍልጠት ዝበሰለ ኣካል ተቐዚፉ፡ሃገር ጥራሕ ኢዳ ኣትሪፎማ።ዝተረፉ ተጋደልቲ ኣብ መንጎ ድልየት ሃገርን ነጻነትን፡ኣብ ጉዕዞኦም እንታይ ከምዘ ጋጥሞም ዘይፈልጥሉ፡ርእይቶኦም ብምድማጽ ዝቕንጸልሉ፡ድሕሪኡ ብባህሪ ያዊ ሞት ሞይቶም ተባሂሉ ዝዝረበሉ ኣረመናዊ ኣገባብ ተገማሚዕም ኅልና ኦም ደስኪሉ መንጎ መንጎ ኮይኖም ተጓዒዞም፡ፖለቲካዊ ኩነታት ውድብ ኣ ብዝተሓተ ስለዝወደቐ፡ኣብ ህዝቢ፡ኣብ ሓደስቲ ወለዶ ጽልዋኡ እናሃሰሰ ስ ለዝመጸ፡ዝቃለስ ኣይተረኽበን።ሽዑ ሃጓፍ ቦታ ንምምላእ ግፋ ኮነ።እዚ ግፋ ዚ ክልተ ትርጉም ኔሩዎ፡ቀዳማይ ሃጓፍ ንምምላእ ክኸውን፡ኣቲ ዝዓበየ ግን ብፍላይ ህዝባዊ ግንባር ፍጥር ክትብል ዝፈጸመቶ ጌጋ ንምድምሳስ ኔሩ ።እቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ንስርዓት መለኽቲ እሺ ዘይብሉ ኔሮም ጠፊኦ ም፡ስለዚ ህ.ግ. ታሪኽ ኣብ ባሕሪ ደርብዮም ሓዲሽ ታሪኽ ንምምስራትን ን ግስነቶም ንምርግጋጽ ታሪኽ ዘይፈልጥ፡ኣብ መሰልን ግቡእን ዘሎ ፍልልይ ኣፍልጦ ዘይብሎም ዜጋታት ካብ ላምን ማሕረሱን፡ገሊኦም ህጻውንቲ ካብ ሕቑፎ ኣደታቶም ብግዲ ገፊፎም።ሕማቕ ሕልሚ ሓሊሞም፡
    እዚ ግፉፍ ኣባል’ዚ፡ገሊኡ ናብ ዘብሎ እናጸገሞ ብጎቦ ልቡ ኣስመራ ዝኣተወ፡ገሊኡ ጉዳይ ንእስነት ኮይኑ፡ናይ ነጻነትን ሃገርን ትርጉም ሓንቲ ከ ይሓዘ፡ኣብ በረኻ ከምድሌትካ ፍንጥርያዕ ዝብለሉ ጎልጎል ረኺቡ ዝተዘና ገዐ’ምበር ብነጻነት ምንባር ዝብል ትርጉሙ ኣመር ኣይነበሮን።እታ ሓንቲ ኣብ ቀልቡ ዝነበረት፡ኣብ ኤርትራ ሰላም ኮይኑ ከብዱ መሊኡ ዝሓድረሉ፡ ድኽነት ዝስዕረሉ እዋን ከምዝመጽእ ጥራሕ ዝተነግሮ፡እቲ ስርዓት ክበጽሖ ናይ ዝደለዮ ሽቶ ንምውቃዕ ብዝሕግዝ መልክዕ ተመልሚሎም፡ኩሉ ዝጸን ሖም ኣተሓሳስባ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ተደምሲሱ ከም ሓደ ካብ ፋብሪካ ተሰሪሑ ዝወጽእ ሓዲሽ ኣቕሓ፡ካብ ክፍሊ ታዕሊም ምሉቕሉቕ ኢሎም ዝወጹ፡ርእስኻ ምጥቃም ማለት ዘይሕጋዊ ገይሮም ዝወስዱ ኢዮም።ኣብዚ ሰራዊት ሓርነት ገዲምን ሕዲሽን ዝብል ፍልልይ ጎሊሑ መጺኡ፡ኣብ መን ጎም ርክብ ተቋሪጹ፡ምጥርጣር መጺኡ፡ዘይምትእምማን ተራእዩ፡እዚ ማለት ታሪኽ ተቐቢሩ ማለት ኢዩ።
    ዝተገፈፈ ወለዶ፡ካብቲ ማህጸን ኅብረተሰብ ስለዝወጸ ገና ሓለፍቲ ዝበ ልዎ ክትግብር ድሉው፡ፍጹም ስለምንታይ ክብል ዘይክእል ምእዙዝ ኣካል ስለዝኾነ፡ነቲ ካብ ውሑዳት ዝመጸ ፕሮፖጋንዳ ከስፋሕፍሕ ክቕጽል ናይ ምሕጋዝ ብርኪ ወይ ጸግዒ ናይምዃንምበር ኣይከውንን ዝብል ባህሪ ኣይነበ ሮምን።ነጻነት ዘይነበሮ ኩነታት ስለዝኾነ ከኣ እቶም ታሪኽ ዝፈልጡ፡ሽግር ከይመሃሮም ሓቢርካዮም ከቕትሉን ከእስሩንምበር ንዘይመሃሩ ሽምካ ምኽ ፋእ ትርጉም የብሉን ብምባል ክዛረቡ ስለዘይደለዩ፡ግፉፋት ዓሳኽር ሓንቲ ከይፈለጡ ኣብ ነጻነት በጺሖም፡ሓላፍነት ተቐቢሎም መጻኢ ናብራኦም ዘጣ ጥሕሉ ሓንቲ መንገዲ ትእዛዝ ምቕባል ኮነ።ሎሚ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ሓለፍቲ ማለት ናይ መስርዕ፡ናይ ጋንታ፡ናይ ሓይሊ ሓለፍቲ ዝበሃሉ ደርጃ ትምህርቶም ካብ ሻሙናይ ክፍሊ ንታሕቲ፡ዕድመኦም ገና ኣብ ሰላሳታት ዘ ለው፡ዝተጋደልሉ ግዜ ከኣ ካብ 1984-85 ከምዝኾነ ኣብ ገለ ቃለ መጠይቕ ይስማዕ።ምናልባት ድፍረትን ሓይልን ኣብዘድልዮ ጉዳይ ተባዓት ኣይኮኑን ኣይበልኩን፡ብዛዕባ መሰልን ክብርን ወይ ካልእ ንወዲ ሰብ ዘድልዩ ነገራት ናይ ምምዛን እኹል ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ኣይቀሰሙን፡ብዕድመ ከኣ ኣይ ተመኮሩን፡ካብቲ ኅብረተሰብ ስለዝረሃቑ ከኣ ካብ ኅብረተሰብ ክወርሱዎ ዝግ በኦም ጽቡቕ ስነምግባር ስለዘይወረሱ፡ኣብቲ ግዜ ቃልሲ ዝተመሃሩዎ ስልጣ ን ምሕላውን፡ኣነ ነዚ ውድብዚ ከም ሃይማኖት ይኣምነሉ ካብ ምባልን ዘንእ ዶም ካብ ምግባር ሓሊፉ ስለ መሰልን ግዝኣት ሕግን ኣይተመሃሩን።
    ግን ይከኣሎ ግቡኡ ገይሩ ተልእኾኡ ኣሳሊጡ ኢዩ።ዋርሳይውን ተል እኾኡ ኣሳሊጡ ክብቅዕ፡ነቲ ክንዲ እምባ ዝኸውን ታሪኽ ዘለዎ ቃልሲ ህዝ ቢ ኤርትራ ኣይሓዞን፡ነቲ ቐላይ ዝወሓጦ ክድህስሶ ስለዘይፈተነ፡ካብቲ ቀዳ ሞት ተኺሎም ዝኸዱ፡ካብቲ ኅብረተሰብና ዝጥቀመሉ ኣገባባት ወላ ሓንቲ ስለዘይወረሰ፡ኣንጻር ተልእኾኡውን ቆይሙ ኢዩ።ርግጽ ዋርሳይ ተባሂሉ ደኣ ይጸዋዕ’ምበር፡ንኽወርስ ጽቡቕ ትምህርቲ ዝህብ ፖለቲካን ስርዓትን፡ጭደድ ሰራዊት ዝግበሮ ኣይረኸበን።እቲ ዝተጋጠሞ፡ናይ ብሕቱ ፍትሓዊ ሓሳብ ደምሲሱ ቀሲኑ ከይሓድር ኣብ እኩብ ተሓዊሱ፡ብስለላን ጸጥታን እምነት ኣጥፊኡ፡ ቅኑዕ ሓሳብ ዘየፍሪ፡ነገራት ብዓይኒ ሓቂ ክጥምት ዘይክእል፡ካበይ መጺኡ፡እንታይ ገደ ኣለዎ ሓቲቱ ፈሊጡ ተረዲኡ ንሕማቕ ክቃለስ ዘይፍ ትን፡ብፍሉይ ስሚዒት ኤርትራዊነትን ሰኺሩ፡ምስ ሻርነትን ህያባትን ቀልጢ ፉ ዝተኣሳሰር፡ከበሮን ክራርን ሰሚዑ ግዚያዊ ደስታ’ምበር ነባራዊ ደስታ ዘለ ዎ ሓቕን ፍትሕን ዘየገድሶ ገይሩዎ።ዋርሳይ ካብ ባህሊ’ውን ኣይወረሰን፡ኣብ ውትህድርናን ኣብ ጥርኑፍ ማሕበር ምእታው፡ዘለካ ባህላዊ ኣገባብ ፋሕ ዝ ብል እንተኾነ፡ኣብ ዝኾነ ይኹን ባህላዊ ጉዳይ ስለ ፍትሕን ሓቅን ይዝረብ ስለዝኾነ ባህላዊ መንገዲ ተኸቲሉ እንተዝኸውን ጉድለታት ምተቐነሰሉ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰራዊት ንጸላኢ ማይዶ ጸባ ከብል፡ንዘረባን ምው ጥዋጥ ኢድ ናይ ሓደ ኮረኔል ኣትሪሩ ዘይቃወም ብብዙሕ ኣሉታዊ ባህሪ ዝተጠቕዐ ኢዩ።ኣብ ርእሺ’ዚ ሰራዊት ሕቶ ሓቲቱ ከይፈልጥ ዝጽዕሩ ፍሉ ያት ኣካላት ስርዓት ስለዝነበሩውን ንዝነበሮ ዓቕሚ ከየወሃህድ ጸጊሞሞ።
    ስለዚ ይከኣሎ ኣይወለደን፡ዋርሳይ ኣይወረሰን ከብለኒ ዝከኣለ፡እቲ ስለ ነጻነት ስለፍትሒ ኣሸሓት ዜጋታት ዝወደቕሉ ክቡር ዕላማ ክሳብ ሎሚ ብ ግቡኡ ንምብጻሕ ዝኾነ ይኹን ቅሩብነቶም ኣይረኣዩን።እዚ ኩሉ ኣብ ኤር ትራ ዝካየድ ዘሎ ከኣ ብሕቡእ ዘይኮነ ቅሉዕ ኮይኑ ኩሉ ዝፈልጦን ሃገር ዘ ነወረ ስራሕ ይስራሕ፡ኤርትራዊ ኢየ ምባል ዳርጋ ዘሕፍር ኮይኑ። ስለዚ ዋ ርሳይ እታ ካብ ይከኣሎ ዝወረሳ ሕጊ ምኽባር ኢያ፡ኣየናይ ሕጊ እንተበልና ግን ዝተፈላለዩ ሕጊ ንረክብ።ይከኣሎ ዝተገዝኣሉ ሕጊ ናብ ነጻነትን ንምብ ጻሕ ዝወስድ መብዛሕቱ ወተሃደራዊ ሕጊ ኢዩ፡ኣብዚውን ጌጋን ጸቕጥን ኣ ይነበረን ኣይበልኩን፡ብመጠኑ ግን ናብ ሓደ ነገር ንምብጻሕ ሓደ ነገር ምሓ ዝውን ናብ ዝበለጸ የሰጋግር ኢዩ።ሎሚ ኣብ ነጻነት፡ባህሊ ይኹን ስርዓት ኣብዘለዎ ህዝቢ ኣብተመሓድረሉ ቦታ ግን ፍሉጥ ሃገራዊ ቅዋምን ሕግን የ ድሊ፡ነቲ ቅዋምቲ ብግቡእ ሃኒጹ ሃገር ብሕጊ ዘመሓድር ሕግን ስርዓትን ኣ ብዘየለየሉ እዋን ዘሎ ሕጊ ግዝኣት ሰባት ጥራሕ ኢዩ።ስለዚ ዋርሳይ ሕጊ ን ዝገዝኦ ኅብረተሰብ፡ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ምሕደራ ዘይኮነ፡ንሕጊ ሰባት፡ ንምሕደራ ሰባት ንዝሕሉ ሕጊ ጥራሕ ስለዝተገዝአ ኣይወረስካን ይብሎ።
    ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ምስ ብዙሕ ግስርጥናን ጸገምን ሓሊፉ ሰብ ዘ ይኮነ እንስሳ በዓል ኣርባዕተ መሓውር ከይተረፈ ተማሂሩሉ፡ንመጻኢ ዝኸው ን ታሪኽ ፈሊጡ።ነንሕድሕድና ክንወቃቀስ፡ክዕገት ዝግበኦ ኣመና ተሰፊሩ ፈሲሱ፡ታሪኽና ስለዝኾነ ብግቡእ ምድብታሩ።ሕጂ፡ህላዌ ኤርትራ ኣብ ኣስጋ ኢ ደረጃ ስለዝበጽሐ ምብርባር የድሊ።ቀዳማይ ንያትን ተበግሶን ከርኢ ዘለዎ ሰራዊት ስለዝኾነ፡ሰራዊት ኤርትራ ብጥቕሚ ኣይትገዛእ፡ሕድሪ ሰማእ ታት ኣብ ግቡኡ ንምብጻሕ ተዓጠቕ ።

    ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ
    ውድቀት ንዓፈንታ፡
    ተ.መድኅን ( ኢጣልያ )

  2. Michael Bowerman - July 6, 2009

    L1tzYm what gives you that idea?,

  3. Eric Racines - July 10, 2009

    Ri5n3t Great topic, nice message. Thank you.,

  4. dan griffiths - July 11, 2009

    tcr8Bf Great work

  5. Temesgen Misgun - July 17, 2009

    Great topic Thank you.

  6. Chris Carsey - July 20, 2009

    ghPNDO Thanks I

  7. daniel harris - July 25, 2009

    fzETMa Hi! The post is really interesting! I

  8. Patrick Troyer - July 30, 2009

    Oh hell yeah

  9. amy bawden - July 30, 2009

    Good One!,

  10. Thanh Le - July 30, 2009

    thanks for you.. nice good document!,

  11. Shane Madden - July 30, 2009

    beautiful site..)),

  12. John doe - July 30, 2009

    Nice man!,

  13. John Davis - July 30, 2009

    great tips. I enjoyed reading this,

  14. kathryn juarez - July 31, 2009

    Great post, well written!,

  15. Aaron Wanstrath - July 31, 2009

    beautiful site..)),

  16. Artimus Kinnon - July 31, 2009

    Cool Info, practical.. lol,

  17. Kathleen Tjunin - July 31, 2009

    Thank you for this site, such as multi information.I! Thank you!,

  18. chastity cooper - July 31, 2009

    nice job, very thanks

  19. william alchier - July 31, 2009

    I think its good decision what he did.,

  20. danny comeau - July 31, 2009

    Oh hell yeah

  21. Kali Mudie - July 31, 2009

    Thanks I

  22. Anthony Capanna - July 31, 2009

    Good Thank you It

  23. CF Drake - July 31, 2009

    Bravo! Nice Article.,

  24. Barbara Ellena - July 31, 2009

    I will go to you.,

  25. Robert Brown - July 31, 2009

    Thank you! I liked the article! I love how you write beautifully.,

  26. sarah fenster - August 31, 2009

    Very interesting!I

Leave a Reply